Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዲጂታላዊ ዝውውር ገንዘብ 12 ነጥቢ 5 ትሪሊየን ብር በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ ዲጂታል ዝውውር ገንዘብ 12 ነጥቢ 5 ትሪሊየን ብር በፂሑ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ÷ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ኣወንታዊን ዕሩይ ዕብየት ኣመዝጊቡ ኢሎም።

ዲጂታላዊ ዝውውር ገንዘብ 12 ነጥቢ 5 ትሪሊየን ብር ምብፅሑ ብምግላፅ÷ካብ ዕድጊት ጥረ ገንዘብ ልዑል ፀብለልታ ከምዘለዎ ኣልዒሎም፡፡

ቁፅሪ ተጠቀምቲ ግልጋሎት ሞባይል ገንዘብ 55 ሚሊየን ምብፅሑ ብምሓባር÷ ን11 ሚሊየን ጥቃቅንን ኣናእሽተይን ተለቃሕቲ ብዲጂታል ልቓሕ 24 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ብር ተበፃሒ ኮይኑ።

ብሓፈሻ ኣብቲ ዓመት ዝተተለመ 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዝዕወት ብሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ ማዓድን፣ ግልጋሎትን ካልኦት ዓውድታትን ዝተረኸበ ውፅኢት መርኣዪ እዮም ኢሎም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.