ኣብ ኢትዮጵያ ዲጂታላዊ ዝውውር ገንዘብ 12 ነጥቢ 5 ትሪሊየን ብር በፂሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ ዲጂታል ዝውውር ገንዘብ 12 ነጥቢ 5 ትሪሊየን ብር በፂሑ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ÷ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ኣወንታዊን ዕሩይ ዕብየት ኣመዝጊቡ ኢሎም።
ዲጂታላዊ ዝውውር ገንዘብ 12 ነጥቢ 5 ትሪሊየን ብር ምብፅሑ ብምግላፅ÷ካብ ዕድጊት ጥረ ገንዘብ ልዑል ፀብለልታ ከምዘለዎ ኣልዒሎም፡፡
ቁፅሪ ተጠቀምቲ ግልጋሎት ሞባይል ገንዘብ 55 ሚሊየን ምብፅሑ ብምሓባር÷ ን11 ሚሊየን ጥቃቅንን ኣናእሽተይን ተለቃሕቲ ብዲጂታል ልቓሕ 24 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ብር ተበፃሒ ኮይኑ።
ብሓፈሻ ኣብቲ ዓመት ዝተተለመ 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዝዕወት ብሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ ማዓድን፣ ግልጋሎትን ካልኦት ዓውድታትን ዝተረኸበ ውፅኢት መርኣዪ እዮም ኢሎም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!