ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ፀፅታ መበገሲኡ ዝተሰሓሓተ ኣተሓሳስባ ፖለቲካ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2017 ዓ.ም(ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ፀፅታ ቀንዲ መበገሲኡ ዝተሰሓሓተ ኣተሓሳስባ ፖለቲካ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣቢይ(ዶ/ር)።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ፀፅታ መበገሲኡ ዝተሰሓሓተ ኣተሓሳስባ ፖለቲካ ከምዝኾነ ገሊፆም።
መርኣይኡ ድማ ቀዳማይ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስንፍና ፖለቲካ ዝወለዶ ፀገም ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ስንፍና ፖለቲካ ጎነፅ፣ ቅርሕንቲን ኲናትን ብምግላፅ፥ እቶም ሰነፋት ፖለቲከኛታት ስራሕ ዘይኽእሉ ጎንፂ ብምፍጣር ኣታዊ ዝረኽቡ ኢዮም ኢሎም።
ካልኣይ፥ ድልየትካን ባህግኻን ብሓይሊ ንምፍታሕ ዝግበር ፃዕሪን ብህዝቢ ንዝተመረፀ መንግስቲ ብሓይሊን ብወረን ንምፍራስ ዝፅዕሩ ሓይሊታትን ኢዮም ክብሉ ገሊፆም።
ይኹን እንበር ብሓይሊ ዝዕወት ድልየት ከምዘየለ ኣብሪሆም።
ሳልሳይ ደፋኢ ምኽኒያት፥ ድኽነትን ድሕረትን ከምዝኾነ ገሊፆም።
እዞም ኣተሓሳስባታት ናይ ወፃኢ ኢድ ኣእታዋይነት ተወሲኹዎ ናትና ባንዳነት እውን ተደሚሩዎ ፀገም የምፅእ ከምዘሎ ሓቢሮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛ ወይ ፖለቲከኛ ስለ ዝኾነ ኣይተኣሰረን ንቐፃሊ እውን ኣይእሰርን ኢሎም።
ሰላም ኣብ ምሕላው ካብ ህዝቢ፥ ኣይትቕተሉ፣ ኣይትቕተሉንን ጉዳይ እንተሃሊዩኩም ብዘተ ፍትሑን ምባልን ሰላም ኢየ ዝደሊን ምባል ትፅቢት ከምዝግበር ኣብሪሆም።
እዚ ብተግባር ኣብ ክልል ኣምሓራ ከምዝተርኣየ ብምግላፅ፥ ካልኦት ክልላት እውን ካብዚ ተመክሮ ክወስዳ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ሰላም ኩሉ ግዘ ኣንፃራዊ ኢዩ፤ ሰላም ማለት ኣልቦ ኲናት ማለት ዘይኮነስ ኩሉ ግዘ ክትትል ዘድሊዮ ኢዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ዝሓለፉ እዋናት ብዝበለፀ ኣንፃራዊ ሰላም ከምዘሎ ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!