Fana: At a Speed of Life!

ትግራይ ሐዚ ዘድሊያ ሰላምን ብዘተ ፀገምካ ምፍታሕን ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2017 ዓ.ም(ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ጠሚቱ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓለ ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ ፕሪቶሪያ ንህዝቢ ትግራይ እፎይታ ኣምፂኡ ኢዩ  ኢሎም።

እዚ ማለት፥ ህዝቢ ደቁ ብኲናት ካብ ምስኣን ምድሓኑ ልዑል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ንኢትዮጵያ ድማ ኲናት ብሰዓራይን ተስዓራይን ዘይኮነስ ብዘተ ምፍታሕ ከምዝከኣል ዘርእይ ሓዱሽ ባህሊ ከምዘምፀአ ተዛሪቦም።

ኣብ ትግራይ ኣብ እዋን ኲናት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ስልኪ፣ መንግስቲ ወዘተ ኣይነበረን ድሕሪ ውዕል ፕሪቶሪያ ግን እዚ ተመሓይሹ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ዲዲኣር ዘይምትግባርን ካብ ወልቃይት ዝተመዛበሉ ወገናት ዘይምምላስን ዝብሉ ዘይተተግበሩ ምዃኖምን ከትግበሩ ከምዝግባእን ኣፅንኦት ሂቦም።

እዚ ንምትግባር ግን ኩሎም ሓይሊታት ክተሓባበሩ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ምክኒያቱ እዞም ክልተ ጉዳያት ናይ ፌዴራል መንግስቲ ፀገም ኣይኮኑን፤ ትግራይ ተይተቐየረት ኢትዮጵያ ትቕየር ኢያ ዝብል እምነት እውን ኣይብልናን።

“ንኣንጭዋ ፃዕሪ ሞታ ንድሙ መፃወቲታ” ከምዝበሃል ንውሱናት ሰባት ኲናት ምድላይ መፃወቲኦም ክኸውን ይኽእል ኢዩ ንመናእሰይ ትግራይ ግን ትርፉ ሞት ኢዩ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ 100 ሚኢታዊ ኲናት ኣይደሊን፤ ሐዚ ኲናት እንተዝፍጠር ዓለም ናባና ጠመተ ዝህበሉ ኩነታት እውን የለን ክብሉ ገሊፆም።

ትግራይ ሐዚ ዘድሊ ሰላምን ብዘተ ፀገምካ ምፍታሕን ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ሙሁራን፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ዓበይቲ ዓዲን ካልኦትን ኲናት ኣብ ትግራይ ቅድሚ ምጅማሩ ሐዚ ሰላም ኣብ ምምፃእ ፃዕሪ ግበሩ ብምባል፥ ኲናት እንተተጀሚሩ ሎሚ ከም ትማሊ ስለ ዘይኮነ ነገራት ክበላሸዩ ይኽእሉ ኢዮም ኢሎም።

ኣፈላላይ እንተሃሊዩ ጉዳይካ ብዘተ ምፍታሕ ኢዩ ዘድሊየና ክብሉ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ህዝቢ ትግራይ ዘተ ይፈልጥ ኢዩ፤ ብዘተ ክፈትሖም ዝግባእ ጉዳያት እውን ስለ ዘለውዎ ቀልጢፍካ ናብ ምዝታይ ምእታው ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.