Fana: At a Speed of Life!

መራሕቲ ብተግባርን ብኣተሓሳስባን ምምራሕ ምኽኣሎም መግለፂ መደመር ወለዶ እዩ- ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ መራሕቲ ሃገር ብተግባርን ብኣተሓሳስባን ምምራሕ ምኽኣሎም መግለፂ መደመር ወለዶ እዩ ኢሎም፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ገፆም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ላዕለዋይ ሓለፍነት ስራሕ መንግስቲ ኮይኖም መፅሓፍ ምፅሓፍ ዓብዩ ሓላፍነትን ትግሃትን ዝሓትት ተግባር እዩ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትርና ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ነዙይ መርኣያን ኣብነትን ዝኾኑ መራሒ እዮም ኢሎም፡፡

ብተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ዝተፅሓፈ “ምድላይ ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ” ዝተብሃለት መፅሓፍ ንሓዱሽ ወለዶ ሓሳብ ዘተባብዕ፣ ክንርሕቖም ክንሓብኦምን ናይ ባዕልና ሃፍቲ ብድፍረት ደፊኡ ዝመፀ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

መፅሓፍ ክንሓትት፣ ክንመራመርን ዘገድደናን ተወሳኺ ንክትዓትን ክርክርን ኣፍደገ ዝኸፍት ስራሕ እዩ ኦሎም።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘተ ፀገማ ንምፍታሕ ፃዕሪ ኣብ ምግባር ትርከብላ። ድሕሪ ሕዚ ፀገማ ንሓይሊ ናይ ምፍታሕ ድልየት ወለዶ ይኣክል ክብል ይግባእ ኢሎም፡፡

እዚ መፅሓፍ ድማ ንከምዚ ኣይነት ሐሳባት ተወሳኺ ጉልበት ተወሳኺ እታወት ገይርካ ምውሳድ ከምዝከኣል ኣገንዚቦም፡፡

“ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋ” ከተሰኘው መፅሀፍ የሚገኘው ገቢ ሐምሌ 2016 ዓ.ም በጎፋ ዞን ገዜ ጎፋ ወረዳ ኬንቾ ሻቻ ጎዝዲ ቀበሌ በተከሰተው ድንገተኛ የመሬት መንሸራተት አደጋ ጉዳት ለደረሰባቸው ወገኖች የሚውል ይሆናል ተብሏል፡፡

ዶክተር ተስፋዬ በልጅጌ” ምድላይ ዲሞክራሲ ኢትዮጵያ” ዝተብሃለ መፅሓፍ ዝርከብ እቶት ሓምለ/2016 ዓ.ም ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዘ ከንቾ ሻቻ ጎዝዲ ቀበሌ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ምግህማስ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል እዩ ተባሂሉ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.