ኣብ ጉባኤ ብሪክስ ንክሊማዊ ለውጢ ቆላሕታ ብምሃብ ዘተ ተገይሩ – ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ ኣብ ጉባኤ ብሪክስ ንክሊማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ኢኮኖሚ ምህናፅ ኣድላዪ ምዃኑ ብወገን ኢትዮጵያ ኣፅንኦት ተዋሂቡዎ ኢዩ ኢለን።
ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝምራሕ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተሳለጠ መበል 17 ጉባኤ ብሪክስ ዝነበረ ፃንሒት ዝጠመተ መብርሂ ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ሂበን።
እተን ሚኒስትር ኣብ መብርሂአን፥ ከም ኢትዮጵያ ኣብ ዝበላ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ክሊማዊ ለውጢ ልዑል ፅዕንቶ ብምሕዳሩ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብቲ ጉባኤ ተገሊፁ ኢዩ ኢለን።
ኢትዮጵያ ስራሕቲ ሓለዋ ደኒን ከባቢን ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣቢሉ ብልዑል ደረጃ ትሰርሐሉ ከምዘላ ብምግላፅ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ቁርፀኛ ብምዃን ነቲ ተግባር ብፋይናንስ ንክድግፍ ተሓቲቱ ኢዩ ኢለን።
ኣባል ሃገራት ብሪክስ ነቲ ጉዳይ ቆላሕታ ብምሃብ መዝታየን ልዑል ረብሓ ከምዝህልዎ እውን ተዛሪበን።
ፅዕንቶ ክሊማዊ ለውጢ ነምፅዋር ኣባል ሃገራት ብሪክስ ምትሕብባር ቴክኖሎጂን ፋይናንሰን ንክገብራ ኣብ ስምምዕነት ምብፅሑ ብምግላፅ፥ ኢትዮጵያ ኣብዚ ከይዲ ተረባሒት ክትከውን ኢያ ኢለን።
ኢትዮጵያ ኣብ ተሓዳሲ ፍልፍል ሓይሊ ልዑል ስራሕ ትሰርሕ ከምዘላ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ካብ ሃገር ብተወሳኺ ንካልኦት ዝኸውን ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ሓደ መርኣያ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።
እቲ ግድብ ፍልፍል ተሓዳሲ ሓይሊ ከብ ኣብ ምባል ንዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ ኢዩ ኢለን።
ህንፀት ኣማራፂ ሓይሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ተቓላዕነት ክሊማዊ ለውጢ ዝቕንስ ብምዃኑ ዕድላት ኢንቨስትመንት ብምስሓብ ተረባሒ ምዃን ከምዘኽእል ኣብሪሀን።
ብኣቤል ንዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!