ግልጋሎት ወለንታዊ ሓበራዊነት ንምጥንኻር ልዑል እጃም ኣበርኪቱ- ኣይተ ኣደም ፋራህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር መዓርግ መተሓበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ዜጋታት ኣብ እዋን ክረምቲ ግልጋሎት ወለንታዊ ብንቕሓት ክሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ናይ ሎሚ ዓመት ክረምቲ ግልጋሎት ወለንታዊ ብፍላይ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ሕብረተሰብ ብምስታፍ ተጀሚሩ።
እቲ ግልጋሎት ኣባይቲ ድኻታት ብምሕዳስ፣ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ልገሳ ደም፣ ድጋፍ ናውቲ ትምህርቲ፣ ናፃ ሕክምና፣ ምክፍል መኣድን ዝተፈላለዩ ሰናይ ስራሕቲን ይስርሑ ኣለው ኢሎም፡፡
ኣይተ ኣደም ፋራህ ከምዝበልዎ÷ግልጋሎት ወለንታዊ ሓበራውነት ዜጋታት፣ ምትሕግጋዝ፣ ምርድዳእ፣ ኩለመዳያዊ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ንምጥንኻር ልዑል ግደ ኣበርኪቱ፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ወለንታዊ ስራሕቲ ንልምዓትን ዕብየትን ሃገርና ዝጭበጥ ውፅኢት ከምዘመዝገቡ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ሎሚ ዓመት ሕብረተሰብ ኣብ ክረምቲ ወለንታዊ ኣገልግሎት ብንጥፈት ክሳተፍን ትፅቢቱ ክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
ክረምታዊ ግልጋሎት ወለንታዊ ዶብ ተሳጋሪ ክኸውን ኣለዎ ዝበሉ ኣይተ ኣደም÷ እዚ ድማ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዝተጀመረ ፃዕርታት ዘጠናኽር እዩ ኢሎም።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!