ኣብ ከይዲ ዘተ ተሳትፎ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ክብ ንምባል ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከይዲ ዘተ ተሳትፎ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ክብ ንምባል ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ።
ኣቐባሊ ቃል እቲ ኮሚሽን ጥበቡ ታደሰ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ከይዲ እቲ ዘተ ንቑሕ ተሳትፎ እናገበሩ እንተኾኑ እውን ሒደት ቅድመ ኩነት ብምሃብ ኣይተሳተፉን ኢሎም።
እቲ ኮሚሽን ኩሉ ወገን ዘሳተፈ ዘተ ንምክያድ እንተይተሳተፉ ዝፀንሑ ፓርቲታት ፖለቲካ እናዛተየ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ካብ እናት ፓርቲ፣ ኢህአፓን መኢኣድን ኣብዚ ሰሙን ዘተ ከምዝተገበረ ሓቢሮም።
ኣብዚ እዋን እውን እቶም ፓርቲታት ንክፍትሑ ዘቐመጥዎም ቅድመ ኩነታት መፍትሒ እንተረኺቦም ኣብቲ ዘተ ከምዝሳተፉ ምርግጋፆም ተዛሪቦም።
ብኣንፃሩ ዝተወሰኑ ፓርቲታት ፖለቲካ ድማ እቶም ቅድመ ኩነታት ቀዲሞም ምፍታሕ ኣለዎም ብዝብል ይሳተፉ ዘይምህላዎም ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ እቲ ኮሚሽን እቶም ፓርቲታት ኣብ ከይዲ እቲ ዘተ ንምስታፍ ተወሳኺ ዘተታት ከምዝግበር ሓቢሮም።
ብይስማው ኣደራው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!