Fana: At a Speed of Life!

ዕርቀ ሰላም! ብሽማግለ ዓዲን ኣቦታት ሃይማኖትን ዝግበር ኢሂን-ምሂን ፍርኡ ጥዑም እዩ፡፡

መንግስቲ ፌዴራል ብሽምግልና፣ ኢሂን-ሚህንን ምይይጥን ፀገማትካ ምምርማርን ምፍታሕን ቀዳምነት ከምዝህብ ብዝተፈላለየ እዋን ብግብሪ ኣርእዩ እዩ። ኣብ ነዊሕ ፖለቲካዊ ታሪኽን ስርዓተ-መንግስትን ሃገርና “ሃገራዊ ዕርቂ፣ ሃገራዊ ምኽክር፣ ፖለቲካዊ ልዝብ” ወዘተ. ዝበሉ ማሕበረ-ሰባዊ ኣምራት ናብ ምይይጥ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብዕሊ ክተኣታተዉ ዝገበረ እዚ መንግስቲ እዚይ ጥራሕ እዩ! እንተተብሃለ ግሁድ ሓቂ እዩ። ከምቲ “ህውከት ይሰድድ በረከት” ዝበሃል፣ ህውከት ንህውከት እናወለደ፣ ጐንፂ-ጐንፂ እናወለደ ኣብ ዓንኬል ፀገም ክንነብር ይገብር እንበር በረከት ኰነ ሰላም ከምፅእ ኣይኽእልን። ኣብ ታሪኽና ብጐንፅን ዅናትን ዘላቂ ሰላም መፂኡ ኣይፈልጥን፤ ክመፅእ እውን ኣይኽእልን። ብልዝብን ምርድዳእን ከምኡ’ውን እንካ-ሃባን ዝመፅእ ሰላም ግን መሰረተ ፅኑዕ እዩ።
በዚ መዳይ ሎምዓልቲ ካብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ማሕበረ ሰባዊ ክፍልታት ዝተወከሉ ኣባላት ፐብሊክ ዲፕሎማሲ፣ ዓሚቕን ንቐፃሊ መድረኻት ኣንፈት ዝኸፍትን ምይይጥ ኣካይድና ኣለና። ኣብ ዝገብርናዮ ዓሚቕ ዘተ፣ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ዝተልዓሉ እንትኸውን፤ ብፍላይ ድማ ጉዳይ ተመዛበልቲ፣ ፖለቲካዊ ኩነታትን ዳግም ቁጠባዊ ሕውየት ትግራይን እቶም ቀንዲ ዛዕባታት እዮም ነይሮም። ብወገን እቶም ኣባላት ፐብሊክ ዲፕሎማሲ፣ ብርክት ዝብሉ ሕቶታት ዝቐረቡ እንተኸውን፣ ብቐፃልነት መንግስቲ ምስ ህዝቢ ተቐራሪቡ ክሰርሕን ህዝባዊ መድረኻት ክዳሎን ዝብሉ ሓሳባት ይርከብዎም። ከምኡ’ውን ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕል እማመ ሰላም ፕሪቶሪያን ዝተርኣዩ ጉድለታትን ብኸመይ ከም ዝእረሙን፣ ናብ ዳግም ዘይምቅዳው ከምርሑ ዝኽእሉ ዘይግቡእ ኣገላልፃን ኣጠቓቅማ ቃላትን ይኹን ሓልሓሊፉ ዝርኣዩ ተግባራዊ ምንቅስቓሳት ክእረሙን፣ ትግራይ ካብ በሰላ ዅናት ትሓውየሉን ናብ ንቡር ህይወት ትምለሰሉ ኩነታት ምፍጣር ኣብ ዝከኣለሉን ብዕምቆት ዘቲና ኢና። ህዝቢ ትግራይ ኰነ ልሂቃን ትግራይ ኣብ ፖለቲካን ቁጠባን ሃገሮም ኢትዮጵያ ዳግም ብዕቱብ ዝዋስእሉን ኩነት ብምፍጣር ኣዚዩ አገዳሲ ጉዳይ ምኻኑ ካብ ዘልዓልናዮምን ዝተረዳዳእናሎምን ነጥብታት እዮም።
ብቐፃልነት ፌደራል መንግስቲ ምስ ህዝቢን መንግስቲ ጊዚያዊ ምምሕዳን ካልኦት ዝምልከቶም ኣከላትን፣ ብቕርበት ብምስራሕ ፖለቲካ፣ ፀጥታን፣ ቁጠባን ትግራይ ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ኩነታት ምፍጣር ብወገንና ዘለና ቅርቡነት ደገሚና ኣረጋጊፅናሎም ኢና።
ፈጣሪ ንኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.