Fana: At a Speed of Life!

ሓምለዋይ ኣሰርን ክረምታዊ ወለንታዊ ኣገልግሎትን ናብ ትውልዲ ዝሳገሩ ሃፍቲታት ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓምለዋይ ኣሰርን ክረምታዊ ወለንታዊ ኣገልግሎትን ናብ ትውልዲ ዝሳገሩ ሃፍቲታት ኢዮም ኢለን ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣይሻ መሓመድ(ኢ/ር)ን ሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርኣያ ስላሴን።

ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር፣ ፍትሒን ሰላምን ከምኡውን ተፀዋዕቲ ትካላት ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ወረዳ ሉሜ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣካይዶም።

ብተወሳኺ ብክረምታዊ ወለንታዊ ኣገልግሎት ንተምሃሮ ናይ ምምሃር ምስትምሃር ናውቲታት ደገፍን ዓቕሚ ንዘይብሎም ዝኸወን ህንፀት መንበሪን ኣጀሚሮም።

ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)፥ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሊማዊ ለውጢ ንምክልኻል፣ ዕቀባ ሓመድን ምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢን ጭቡጥ ለውጢ የምፅእ ከምዘሎ ተዛሪበን።

በዚ መገዲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብነት ዝኸውን ተግባር የካየድ ከምዘሎ እተን ሚኒስትር ተዛሪበን ከብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.