Fana: At a Speed of Life!

ሓምለዋይ ኣሰር ንዘላቒ ህንፀት ኢኮኖሚ ወሳኒ ግደ ይፃወት ኣሎ – ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንዘላቒ ህንፀት ኢኮኖሚ ወሳኒ ግደ ይፃወት ኣሎ ኢሎም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር)።

ኣባላትን ሰራሕተኛታትን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሻውዓይ ዙር መረሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣር ኣሳሊጦም።

ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ክሌማዊ ለውጢ ኣብ ዓለም ውሕጅ፣ ድርቂ፣ ምጉሕጓሕ ሓመድ ሓዊሱ ንምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ ዕንቅፋት ዝኾኑ ማሕለኻታት ፈጢሩ ኢዩ።

ነዚን ካልኦት መሰል ፀጋማትን ምላሽ ንመሃብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ተግባራዊ ብዝገበረቶ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 40 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ሓቢሮም።

በዚ ድማ ኣብ ኣፍሪካ ይኹን ኣብ ዓለም ኣብነት ዝኸውን ውፅኢት ተረኺቡ ዝበሉ እቶም ዋና ተፀዋዒ ሚኒስትር÷ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ቀፃነት ልምዓትን ምዕባለን ኢትዮጵያ ዘረጋግፁ ውፅኢታት እናተረኸቡ ከምዝኾን ኣብሪሆም።

ብብርኪ ሃገር ዝትከሉ ፈልሲታት ምጉሕጓሕ ሓመድ ብምክልኻል ኣብ ምድንፋዕ ፍርያትን መፍረያይነትን ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ይርከቡ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ለምግብነት የሚውሉ የፍራፍሬ ችግኞች በስፋት እየተተከሉ መሆኑን ጠቁመው÷ ይህም የምግብ ዋስትናን ለማረጋገጥ የተያዘው ሀገራዊ ግብ እውን እንዲሆን ዓይነተኛ ሚና እንደሚጫወት መጥቀሳቸውን ኢዜአ ነው የዘገበው፡፡

“በመትከል ማንሰራራት” በሚል መሪ ሀሳብ ዘንድሮ እየተከናወነ ለሚገኘው ሰባተኛ ዙር የችግኝ ተከላ መርሐ ግብር ስኬት ሁሉም የበኩሉን አሻራ እንዲያኖር ጥሪ አቅርበዋል።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.