Fana: At a Speed of Life!

49 መገደኛታት ኣሳፊራ ትጉዓዝ ዝነበረት ኣውሮፕላን ካብ ራዳር ወፃኢ ምዃና ተሰሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ሩሲያ ምብቓዊ ግዝኣት ኣሙር 49 መገደኛታት ኣሳፊራ ትጉዓዝ ዝነበረት ኣውሮፕላን ካብ ራዳር ወፃኢ ምዃና ተሰሚዑ፡፡

እታ ዝጠፍአት ኣውሮፕላን ሓሙሽተ ህፃናት ሓዊሱ 43 መገደኛታትን ሽዱሽተ ኣባላት ሰራሕተኛታትን ኣሳፊራ ከምዝነበረት ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኣሙር ቫሲሊ ኦርሎቭ ተዛሪቦም።

እታ ኣንቶኖቭ ኤኤን-24 ዝተብሃለት ናይ መገደኛታት ኣውሮፕላን ካብ ግዝኣት ኣሙር ብላጎቨሽቼንስክ ናብ ቲይንዳ እትጊዓዝ ከምዝነበረት ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ነታ ኣውሮፕላን ምእላሽ ምጅማሮም ተሓቢሩ፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.