49 መገደኛታት ኣሳፊራ ትጉዓዝ ዝነበረት ኣውሮፕላን ካብ ራዳር ወፃኢ ምዃና ተሰሚዑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ሩሲያ ምብቓዊ ግዝኣት ኣሙር 49 መገደኛታት ኣሳፊራ ትጉዓዝ ዝነበረት ኣውሮፕላን ካብ ራዳር ወፃኢ ምዃና ተሰሚዑ፡፡
እታ ዝጠፍአት ኣውሮፕላን ሓሙሽተ ህፃናት ሓዊሱ 43 መገደኛታትን ሽዱሽተ ኣባላት ሰራሕተኛታትን ኣሳፊራ ከምዝነበረት ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኣሙር ቫሲሊ ኦርሎቭ ተዛሪቦም።
እታ ኣንቶኖቭ ኤኤን-24 ዝተብሃለት ናይ መገደኛታት ኣውሮፕላን ካብ ግዝኣት ኣሙር ብላጎቨሽቼንስክ ናብ ቲይንዳ እትጊዓዝ ከምዝነበረት ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ነታ ኣውሮፕላን ምእላሽ ምጅማሮም ተሓቢሩ፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!