ትካላት ፌደራል በጀት ዓመት 2017 ገምጋም ስራሕቲ ፓርቲን ትልሚ 2018ን ዘተ የካይዱ ኣለው
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ.ኤም.ሲ) ትካላት ፌደራል ብልፅግና በጀት ዓመት 2017 ገምጋም ስራሕቲ ፓርቲን ትልሚ 2018ን መድረኽ ዘተ የካይድ ኣሎ፡፡
ሎሚ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣባላት ኮሚቴ መተሓባበሪ ትካላት ፌዴራል፣ ምምሕዳር ትካላት ፌዴራል፣ ኣመራርሓ ክላስተር ብልፅግና ማሕበራዊን ኢኮኖሚን ኣብ ዝተረኸብሉ ገምጋም እናተኻየደ ይርከብ፡፡
ኣብ መድረኽ በጀት ዓመት 2017 ስራሕቲ ኣወዳድባ ፖለቲካን ትልሚ ዘተን ብተወሳኺ ስራሕቲ ሰናይ ስራሕ ሓምለዋይ ኣሰር ተግባራት ዘለዎ ደረጃ ብምግምጋም ቀፃሊ ኣንፈት ከምዘቕምጥ ተገሊፁ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!