Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ቡን መሰረታዊ ለውጢ ኣመዝጊባ ኢያ – ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ቡን መሰረታዊ ለውጢ ኣመዝጊባ ኢያ ኢሎም ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)፡፡

በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያን ካልኦት መሓዙት ኣካላትን ብምትሕብባር ዝተሰናደአን ኣብ ለውጢን ዕቤትን ቡን ኣፍሪካ ዘድሀበ መድረኽ ዘተ 2ይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ይካየድ ኣሎ፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ ስትራቴጂ 10 ዓመት ቡን ተግባራዊ እናገበረት ከምዝኾነት ብምሕባር፥ ኣብቲ ዓውዲ መሰረታዊ ለውጢ ኣመዝጊባ ኢሎም፡፡

ኣብቲ ስትራቴጂ ኣብ ዝሓፉ ሓሙሽተ ዓመታት መሰረታዊ ለውጢን እዕቤትን ከምዝተመዝገበ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብዚ ዓመት ወፃኢ ንግዲ ቡን ዝተረኸበ 2 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ከም ኣብነት ፀሪሖም፡፡

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንውፅኢታውነት ፍርያት ቡን ልዑል ግደ ከምዝተፃወተ እውን ኣልዒሎም፡፡

ብሰማሀኝ ንጋቱ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.