ኣብ ተተካእቲ ፍርያታት ዝዋፈሩ ኢንተርፕራይዛት 1 ነጥብ 6 ቢሊየን ዶላር ምድሓን ተኻኢሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ በጀት ዓመት 2017 ኣብ ኣብ ተተካእቲ ፍርያታት ዝዋፈሩ ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ልዕሊ 1 ነጥብ 6 ቢሊየን ዶላር ምድሓን ተኻኢሉ ኢሉ ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ።
ፈፃሚ ስራሕ ኮሙኒኬሽን ርክብ ህዝቢ እቲ ትካል ኣይተ ሮቤል ኣሕመድ ከምዝበልዎ፤ ኢንተርፕራይዛት ዓቕሚ ምፍራይ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ብምውዳድ እናተሰርሐ እዩ፡፡
ብፋላይ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ኣብ ተተካእቲ ፍርያታት ክዋፈሩ ኣድላዩ ድጋፍን ክትትልን ይገብር ኣሎ ኢሎም፡፡
ኣብ ኣፍረይቲ ዓውዲ ስርዓት ኣሰራርሓ ብምትሕብባር ምስርሑ ሓቢሮም፡ ብዝተዛዘመ በጀት ዓመት ናብ ወፃኢ ካብ ዝተለኣኹ ፍርያታት 59 ነጥቢ 89 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ እዩ ኢሎም፡፡
ካብ ወፃኢ ዝኣትው ፍርያት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምፍራይን ንዕዳጋ ብምቕራብ ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ቢሊየን ዶላር ንላዕሊ ምድሓን ምኽኣሉ ኣይተ ሮቤል ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!