ኣብ ክልል ትግራይ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ንምጅማር ዝሕግዝ ውፅኢታዊ ዘተ ተሳሊጡ – እቲ ኮሚሽን
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ንምጅማር ዝሕግዝ ውፅኢታዊ ዘተታት ተሳሊጡ ኢሉ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ፡፡
ኣመራርሓ ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ናብ ክልል ትግራይ ብምኻድ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ምዝታዮም ተሓቢሩ፡፡
ወሃቢ ቃል እቲ ኮሚሽን ጥበቡ ታደሰ ከምዝበልዎ፤ ምስ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል፣ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ዘተ ተኻይዱ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ተግባራዊ ክኾን፣ ተመዛበልቲ ክምለሱን ካልኦት ሕቶታትን ተላዒሎም ኢሎም።
እቶም ሕቶታት ከም ቕድመ ኩነት ዝተቐመጡ ዘይኾኑስ ተግባራዊ ተዝኾኑ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ብዝበለፀ ይሕግዙ ዝብል ሓሳብ ምልዓሎም ኣገንዚቦም፡፡
እቲ ክልል ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ ልዑል ተራ እናተዋፅአ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብቲ ዝነበረ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ እቲ ክልል ዝሕግዙ ውፅኢታዊ ዘተታት ተኻይዶም ኢሎም፡፡
ህዝቢ እቲ ክልል ምስ ካልኦት ህዝብታት እታ ሃገር ዘጋጥሙ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሙ ክፃወት እውን እቲ ኮሚሽን ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ብወንድሙ ኣዱኛ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!