Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ምስ ሩሲያው መዘነኦም ንምዝታይ ናብ ኣላስካ ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ገዳይ ኵናት ሩሲያን ዩክሬን ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ንምዝታይ ናብ ግዝኣት ኣላስካ ኣምሪሖም፡፡

ክልቲኦም መራሕቲ ሎሚ ምሸት ፊት ንፊት ብምርኻብ ከምዝዝትዩ ትፅቢት ይግበር፡፡

ቅድሚ እቲ ዘተ ኣላስካ ዝኣተዉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ ሃገሮም ኣሜሪካ ብቐሊሉ ትርደኦ ግልፂ ናይ ድርድር ሓሳብ ሒዛ ክትቀርብ ኢያ ኢሎም፡፡

ፍሉይ ልኡኽ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ስቲቭ ዊትኮፍ ናበ ሞስኮ ኣብ ዘምርሑሉ እዋን ተስፋ ዝህብ ዘተ ገይርና ኢና ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፤ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ፕሬዚዳንታት ዝግበር ዘተ ንኩሉ ወገን ተዓዋቲ ዝገብር ከምዝኸውን ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዘተ ፕሬዚዳንታት ክልቲአን ሃገራት፤ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ክልቲአን ሃገራትን ካልኦት ዲፕሎማሰኛታትን ከምዝርከቡ ሲኤንኤንን ኣር ቲን ፀብፂበን፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.