Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ናይጄሪያ ብሓደጋ ምስማጥ ጃልባ 60 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሰሜናዊ ናይጄሪያ ግዝኣት ኒጀር ብዘጋጠመ ሓደጋ ምስማጥ ጃልባ 60 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ፡፡

እታ ጃልባ ህጻናት ሓዊሱ ልዕሊ 100 ሰባት ኣሳፊራ እናተጓዓዘት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዘጋጠመ ሓደጋ ከምዝኾነ ሰብ እቲ ከባቢ ተዛሪቦም፡፡

በቲ ሓደጋ ካብ ዝሞቱ 60 ሰባት ብተወሳኺ ብህይወት ዝተረኸቡ 10 ሰባት ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዝኾኑ እውን ሮይተርስ ፀብፂቡ፡፡

ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት ዝተረፉ ተሳፈርቲ ኣብ ምትእንላሽ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.