Fana: At a Speed of Life!

ዶብ ሰገር ገበናት ንምክልኻል ዓለም ለኸ ቴክኖሎጂ ምትእስሳር ተጓዓዝቲ ተግባራዊ ክኸውን እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ዶብ ዝሳገሩ ገበናት ንምክልኻልን ገበነኛታት ንኻልእ ሃገር ኣሕሊፍካ ንምሃብን ዓለም ለኸ ቴክኖሎጂ ምትእስሳር ተጓዓዝቲ ክትጥቀም እያ ኢሎም ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል።

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ከምዝገለፁዎ፤ ዓለም ለኸ ገበናት ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዙን ዝተሓላለኹን ኣብ ዝኾኑሉ ዘበን ዓለም ለኸ ገበናት ንምቁፅፃርን ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓልን እዋናዊ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ምህናፅ የድሊ።

በዚ ድማ ኢንተርፖል ኣብ ዶብ ሰገር ገበናት ንምክልኻልን ገበን ፈፂሞም ዝተሓብኡ ወገናት ኣሕሊፍካ ንምሃብን ዘኽእል ዓለም ለኻዊ ስርዓት ቴክኖሎጂ ምትእስሳር ተጓዓዝቲ ከምዘማዕበለ ገሊፆም።

እቲ ቴክኖሎጂ ብግብረ ራዕዲ ወይ እውን ብካሊእ ዶብ ሰገር ገበን ዝድለዩ ወገናት ኣብ ዝኾነት ትኹን ሃገር ብቐሊሉ ንምቁፅፃር ከምዘኽእል ኣመልኪቶም።

ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ገበነኛታት ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ንምሓዝ ምስ ኢሚግሬሽንን መንገዲ ኣየርን ብምውህሃድ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር ጀነራል፤ እቲ ስርዓት ተግባራዊ ንምግባር ኣብ ከይዲ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ክጠናኸር ብምግባሮም ምስ ኢንተርፖል ፅቡቕን ቀረባን ምትሕብባር ንምፍጣር ከምዘኽኣለ እውን ገሊፆም።

ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ምስ ኢንተርፖል ብዝገበሮ ዝተዋደደ ወፍሪ ሓደ ገበነኛ ተታሒዙ ናብ ኢትዮጵያ ኣሕሊፍካ ክወሃብን ናብ ሕጊ ክቐርብን ከምዝተገብረን ኢትዮጵያ እውን ብዝተፈላለዩ ዶብ ሰገር ገበናት ዝድለዩ ወገናት ሕግን ስርዓትን ብምኽታል ናብ ዝምልከተን ሃገራት ኣሕሊፋ ከምዝሃበት ኣብሪሆም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.