Fana: At a Speed of Life!

ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘበነ ውድድር 2025/26 ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ብዝግበሩ ፀወታታት ክጅመር ኢዩ፡፡

ብዱሽ ቅርፂ ውድድር ምክያድ ካብ ዝጅምር ኣብ 2ይ ዓመቱ ዝሓዘ እቲ ውድድር 36 ጋንታታት ክሳተፋ ኢየን፡፡

ሊቨርፑል፣ ኣርሰናል፣ ማንቼስተር ሲቲ፣ ቼልሲን ኒውካስትል ዩናይትድን ከምኡ እውን ተዓዋቲት ዩሮፓ ሊግ ዝኾነት ቶተንሃም ሆትስፐር ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ዝውክላ ጋንታታት ኢየን።

ስፔን ንጉስ እቲ መድረኽ እናተብሃለት ትፅዋዕ ሪያል ማድሪድ ሓዊሱ ብሓሙሽተ ጋንታታት ክትውከል ኢያ፡፡

ጣልያንን ጀርመን ሕድሕደን ብኣርባዕተ ጋንታታ ዝውከላ እንትኾና፥ ካብ ፈረንሳይ ድማ ሰለስተ ጋንታታት ኣብቲ ውድድር ክሳተፋ ኢየን፡፡

ሎሚ ምሸት ኣብ ዝጅምር ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ኣርሰናል ናብ ስፔን ብምምራሕ ምስ ኣትሌቲክ ቢልባኦ ምሸት ሰዓት 1፡45 ክትፃወት ኢያ፡፡

ኣርሰናል ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ውድድር ኣብቲ መድረኽ ክሳብ ፍርቂ ፍፃመ ተጓዒዛ ዝነበረት ትኹን እምበር ብፈረንሳዊት ጋንታ ፒኤስጂ ካብቲ ውድድር ከምዝተሰናበተት ኣይርሳዕን፡፡

15 ግዘ በዓል ክብሪ እቲ መድረኽ ሪያል ማድሪድ ኣብ ሜዳኣ ሳንቲያጎ ቤርናባው ምሸት ሰዓት 4 ንፈረንሳዊት ጋንታ ኦሎምፒክ ደ ማርሴ ክተተኣናግድ ኢያ፡፡

ዩቬንቱስ ምስ ቦርሲያ ዶርትሙንድ፣ ቤኔፊካ ምስ ካራባህ ከምኡ እውን ቶተንሃም ሆትስፐር ምስ ቪያሪያል ብተመሳሳሊ እዋን ምሸት ሰዓት 4 ፀወተአን ከካይዳ ኢየን፡፡

ቀዳማይ ዙር መርሃ ግብሪ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ትፅቢት ብዝግበረሎም ፀወታታት ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ክሳብ ዝቕፅል ሓሙስ ክቕፅል ኢዩ፡፡

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.