መንግስቲ ትካላት ሃይማኖት ዘጋጥምወን ፀገማት ንምፍታሕ ድሉው እዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ትካላት ሃይማኖት ዘጋጥምወን ፀገማት ብኹሉ ደረጃታት ንምፍታሕ ድሉው እዩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን፤ ኣብ መበል 45 ሓፈሻዊ ሰበኻ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያ ኢትዮጵያዊት ምልክት ርእሰ ምሕደራ ዘለዋ ዝኾነት ትካል እያ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ክሳብ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ዝበፅሑ ሽዱሽተ ፓትርያርካት ከም ዝመረፀት ብምፅራሕ፣ ቤተክርስትያን ናይ ባዕላ ኣመሓድራ ዘለዋ ትካል ምዃና ኣብሪሆም።
ታሪኽ ኢትዮጵያ እንትንገር ቤተክርስትያን ካብ ጥንቲ ኣትሒዛ ከም ዝነበረት ብምግላፅ፤ ናፅነት ሃገር ኣብ ዝተረጋገፀሉ ቃልሲ ቀዳማይ ተሳታፊት ምንባራ ኣመልኪቶም።
ኣብ ኲናት ዓድዋ ዋጋ ንምኽፋል ኣብ ጎኒ ሃገር ከም ዝተሰለፈት ብምሕባር፤ ዝፀንሐ ክብሪን ትግሃትን ክቕፅል ብምግባር እታ ቤተክርስትያን ሎሚ ዘለዋ ሃፍቲ ንቀፃሊ ሃገራዊ ልምዓት ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ ኢሎም።
ትካላት ሃይማኖት ጎድና ጎድኒ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ጎንፂ ዝርከቡ ወገናት ናብ ዘተን ሰላምን ክመፅኡ ፀገማት ብዘተ ንኽፈትሑ ክሰርሓ ከም ዝግባእ እውን ገሊፆም።
መንግስቲ ንትካላት ሃይማኖት ዘጋጥሙወን ፀገማት ብኩሉ ደረጃታት ንምፍታሕ ድሉው ምዃኑ ድማ ኣፅንኦት ሂቦም።