Fana: At a Speed of Life!

ብኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ቻይና ዕላዊ ዑደት ስራሕ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ቻይና ቤጂንግ ዕላዊ ዑደት ስራሕ የሳልጥ ኣሎ።

መርሃ ግብሪ እቲ ዑደት፥ ኣብ ክሊ ሽግሽግ ዕዳ ንምዝታይን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ መትሕብባር ኢኮኖሚ ንምጥንኻርን ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

እቶም ኣባላት ልኡኽ ኣብ ፃንሒቶም መስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሚኒስቴር ገንዘብ ቻይና፣ ባንኪ ህዝቢ ቻይና፣ ኤግዚም ባንኪን ዝተፈላለያ ትካላት ንግዲ እታ ሃገርን ክዛተዩ ኢዮም ዘብል ትፅቢት ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ሃገር ቦቆል ሪፎረም ኢኮኖሚ ዝተሳለጡ ስራሕቲን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ዝጠመተ መብርሂ ከምዝግበር እቲ ባንኪ ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.