Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ሕቡራት መንግስታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ልዑል ረብሓ ኣለዎ – ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ግድብ ህዳሰ ሕቡራት መንግስታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ልዑል ረብሓ ኣለዎ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፡፡
ብውድብ ሕቡራት መንግስታት መበል 80 ሓፈሻዊ ኣኼባ እናተሳተፉ ዘለው ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ምስ ፕሬዚዳንት ሓፈሻዊ እቲ ጉባኤ ኣናሌና ቤርቦክ ዘተ ኣካይዶም።
ኣብ ዘተኦም ኣብ ህሉው ኣህጉራዊ ብድሆታትን ኣብ ብዙሕነታዊ ዝምድናታት ዘስዕቦ ዘሎ ፅልዋን ሓሳብ ተለዋዊጦም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብቲ እዋን፤ ብዙሕነታዊ ዝምድናታትን ሓባራዊ ድሕነትን ንምዕቃብ ዝተዋደደ ፃዕርታት ምጥንኻር የድሊ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመረቐቶ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዙሕ ረብሓታት ከምዘለዎ፤ ብፍላይ ቀረብ ፅሩይ ሓይሊ ቀረብ ብምውሳኽ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምዕዋት ልዑል ፅልዋ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Facebook FBC Tigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.