ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽ 13 ጥርዓናት ትርጉም ሕገመንግስቲ የድልዮም ክብል ውሳነ አሕሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽ ካብ ሞንጎ ዝቐረቡሉ 13 ጥርዓናት ትርጉም ሕገመንግስቲ የድልዮም ክብል ውሳነ አሕሊፉ፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ 6ይ ዘበን ፓርላማ፣ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ፣ 1ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣካይዱ።
ኣብቲ ጉባኤ ቀዋሚ ኮሚቴ ክትትል ኣፈፃፅማ ውሳነን ትርጉም ሕገመንግስቲን መርሚሩ ብዘቕረቦም ውሳነ ሓሳባት ብምዝታይ ውሳነ አሕሊፉ።
በዚ ድማ በመፃረዪ ጉባኤ ጉዳይ ሕገ መንግስት እቲ ቤት ምኽሪ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ትርጉም የድልዮም ብዝብል ውሳነ ሓሳብ ኣብ ዘቕረበሎምን ትርጉም ኣየድልዮምን ብዝብል ውሳነ ኣብ ዝሃበሎምን ጉዳያት ዘትዩ።
እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ 13 ጉዳያት ብዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ ዝተዘተየ እቲ ቤት ምኽሪ፤ በቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብሙሉእ ድምፂ ብምድጋፍ ኣፅዲቑ።
ካብዚ ብተወሳኺ መፃረዪ ጉባኤ ጉዳያት መንግስቲ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ኣየድልዮምን ብዝብል ብዝሃቦም ውሳነታት ቅርታ ተሰሚዑዎም ብይግበአኒ ናብቲ ቤት ምኽሪ ዝቐረቡ 92 ጉዳያት እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ብምምርማር ትርጉም ሕገ መንግስቲ ኣየድልዮምን ዝብል ውሳነ ሓሳብ ኣቕሪቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!