Fana: At a Speed of Life!

ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብብዙሕ መዐቀኒ ልዑል ለውጢ ብቕልጡፍ ምምዝጋብ ኣኽኢሉ-ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሎሚ 18 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ካብ ንጉሆ 2፡30 ጀሚሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብርሂን፥ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብብዙሕ መዐቀኒ ልዑል ለውጢ ብቕልጡፍ ምምዝጋብ ክኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ንኣብነት ግብርና በይኑ 7 ነጥቢ 3 ሚኢታዊት ዕብየት ከምዘመዝገበረ ተዛሪቦም።

ብፍሪያት ደረጃ እውን ሩዝ ካብ ዝነበረሉ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ኩንታል ናብ 63 ሚሊየን ኩንታል ክብ ምባል ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ፍሪያት ስርናይ ቅድሚ ለውጢ ካብ ዝነበሮ 47 ሚሊየን ኩንታል ናብ 280 ሚሊየን ኩንታል ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ክዓቢ ከምዝኸኣለ ኣብሪሆም።

ኣታዊ ብዝምልከት እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥  ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያ ብታሪካ ልዑል ኣታዊ ዝረኸበትሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ንኣብነት ኣብ ንግዲ ወፃኢ ሸቐጥ 8 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ተዛሪቦም።

ካብ ሬሚታንስ 7 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ብምግላፅ፥ ፍሪያት ብውሽጢ ዓዲ በምትካእ ብቢሊየን ዶላር ምድሓን ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ሪዘርቭ ኢትዮጵያ ብ10 ዕፅቢ ከምዝዓበየ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.