Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ፡ ብሰላም ዝፀንዐት፣ ብሉዓላውነት ዘይትደራደር

ኣዲስ ኣበባ፣23 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ገለ ሃገራት ዶባተን ብመንደቕ ይሕልዋኦ። ኢትዮጵያ ግን ዶባታ ብኻልእ ነገር ትሕልዎ፤ ብዘይናወፅ መትከል።

ኢትዮጵያውነት፣ ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ ዝተዘርግሐ ማሕተም እዩ። ኣብ ዓውደ ውግእ ዘይተደራደረት፣ ኣብ ጠረጴዛ ስምምዕ እውን ክብራ ዘየድፈረት ሃገር እያ።

እዚ መንነት እዚ፣ ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ፅንሰ ሓሳብ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብደምን ብታሪኽን ዝተፃሕፈ ሓቂ እዩ።

ኢትዮጵያ፣ ዲፕሎማሲ ከም መሳርሒ ዘይኮነስ ከም መትከል ትጥቀመሉ። ምሃብን ምቕባልን፣ ብሓባር ምዕባይን፣ ብሓባር ሰላም ምህናፅን ትኣምን።

ንጎረባብታ ኢዳ ዘርጊሓ፣ ድልድል ሰሪሓ፣ ናይ ምትሕብባር ማዕፆ ከፊታ።

ግን እዚ ትዕግስትን ክፍተትን፣ከም ምልክት ድኽመት ተገይሩ ክውሰድ ኣይግባእን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብተደጋጋሚ ከም ዘረጋገፅዎ፣ ሉዓላውነት ኢትዮጵያ ዝፈታተን ነገር እንተመፂኡ፣ መንግስቲ ነታ ሃገር ንምሕላው ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ድሉው እዩ።

እዚ ድሉውነት እዚ፣ ውግእ ናይ ምድላይ ምልክት ዘይኮነስ፣ ሰላም ኣብ ሓይሊ ዝተመስረተ ምዃኑ ዘርኢ ጥበብ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ካልእ መድረኽ እውን ከምዚ ክብሉ ተሰሚዖም፡፡ “ብኽብርን ረብሓን ኢትዮጵያ እንተመፂእኩም፣ ክሳደይ ይቆረፅ እምበር ኣይንብርከኽን እየ፤ ኢድ ብምጥምዛዝ ዝኾነ ነገር የለን።”

ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣስመራ ዝነበራ ኤምባሲ ዓፅያ፣ ዲፕሎማተኛታት ኤርትራ እውን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክወፅ ዝኣዘዘትሉን ንዲፕሎማት ግብፂ እውን ተመሳሳሊ ትእዛዝ ዝሃበትሉን እዋን፣ ነዚ መትከል እዚ ብተግባር ዘረጋገፀ እዩ።

እዚ ውሳነ እዚ፣ ንዓለም ዘሕልፎ መልእኽቲ ግልፂ እዩ፦

ኢትዮጵያ ንሰላም ደው ትብል፣ ንምትሕብባር ኢዳ ትዝርግሕ፣ ንልምዓት ብሓባር ንምስራሕ ትፅዕር። እንተኾነ ግን ሉዓላውነታ ክትንከፍ፣ ድሕነታ ክፍተን፣ ህልውናኣ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከሎ፤ ሽዑ ቀይሕ መስመር ተሳጊሩ ማለት እዩ።

እዚ መስመር እዚ፣ ብስምዒት ዝተሳእለ ኣይኮነን። ብትምህርቲ ታሪኽ፣ ብመስዋእቲ ወለዶታትን ብፍቕሪ ሃገርን ዝፀንዐ መስመር እዩ።

ኢትዮጵያ፣ ንዘበናት ናፅነታ ሓልያ ነቢራ። ሎሚ እውን ነቲ ተመሳሳሊ ቆራፅነት ሒዛ፣ ክብሪ ትማሊ ናብ ፅባሕ ተሰጋግር።

ሰላም ንደሊ ኢና። ምትሕብባር ነኽብር። ሉዓላውነትና ግን ንድርድር ኣይነቕርቦን።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዩህዝቢ #ዓብዩራእይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.