Fana: At a Speed of Life!

ንኢትዮጵያ ዝምጥን ሓይሊ ኣየር ይህነፅ ኣሎ – ሌ/ጄነራል ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ኣዛዚ ሓሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ ምኽባር መበል 90 ዓመት መዓልቲ ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኣመልኪቶም ምስ ነበርቲ ከተማ ቢሾፍቱን ከባቢኣን ተዛቲዮም።

እቶም ዋና ኣዛዚ ኣብቲ እዋን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ በቢዘበኑ ሉኣላዊነት ሃገር ኣብ ምኽባር ዘኹርዕ ገድሊ ከምዝፈፀመ ብምግላፅ÷ ሕዚ እውን ንዓባይ ኢትዮጵያ ዝምጥን ትካል እናተሃነፀ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ዓመት “ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምልክት ናፅነትን ኻድነትን” ብዝብል መሪኽ ሓሳብ መዓልቲ መስረታኡ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዘኽብር ብምግላፅ÷ ሕብረተሰብ ከተማ ቢሾፍቱን ከባቢኣን እቲ በዓል ብሓባር ንምኽባር ብሓድነት ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

እቲ መዓልቲ ምስረታ ንሃገርን ንትካልን ኢሉ እውን ንዕቤትን ህንፀት ምስሊን ከተማ ቢሾፍቱ ዕዙዝ ግደ ዘለዎ ስለዝኾነ እታ ከተማ ኣብ ምፅራይ፣ ኣብ ምውቃብን ምልማዕን ከምኡ እውን ሰላማዊ ክትከውን ኣብ ምግባር ናይ ነበርቲ ሓላፍነት ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እቲ ዕለት ብፌስቲቫል ስፖርት፣ ብፓናል ዘተ፣ ኢክስፖ ኣቪዬሽንን ምርኢት ኣየርን ከምዝኽበር ብርጋዲየር ጀኔራል ብሩክ ሰይፉ ምግላፆም ኦንላይን ሚዲያ ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.