Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ መበል ካልኣይ ወርቂ መዳሊያ ዓቲራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ብስክሌት ኣፍሪካ መበል ካልኣይ ወርቂ መዳሊያ ዓቲራ።

64 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ  ውድድር ሰገናት ብደቂ ኣኒስቲዮ ፅጌ ካሕሳይ ኣብቲ ውድድር ቀዳመይቲ ኮይና።

ፅጌ ካሕሳይ ትማሊ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ፈተነ ውልቀ ሰዓት ሜረዳሊያ ወርቂ ምዕታራ የዝከር።

ቅሳነት ግርማይ ሳልሳይ፣ ራሄል ታመነ ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ነቲ ውድድር ዛዚመን።

ኣብ ኬኒያ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መበል 19 ሻምፒዮና ብስክሌት ኣፍሪካ 2025 ካብ ልዕሊ 30 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ብሽክለተኛታት ይሳተፉ ኣለዉ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር ክሳብ ሐዚ ክልተ ወርቅን ሓደ መዳሊያ ነሓስን ተዓዊታ ኣላ።

ብወርቅነህ ጋሻሁን

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.