ሲዳማ ቡና ንመቻል ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 7ይ ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሲዳማ ቡና ንመቻል 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ።
ቀተወሪ ሰዓት 7፡00 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ሲዳማ ቡና ዝተዓወተትለን ሸቶታት ያሬድ ባየህ ብፍፁም ቅፅዓትን ብፀወታን 2 ሸቶታት እንተመዝግብ፤ ብሕታዊት መቻል ኮሊያን ኮፊ ኣብዝጊቡዋ።
መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ እንትቕፅል ሰዓት 10፡00 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ጋንታታት ሃዋሳ ከተማን ፋሲል ከነማን ዘራኽብ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።
ከምኡ እውን ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ሰዓት 9፡00 ኢትዮ ኤሌክትሪክ ምስ ቅዱስ ጊዮርጊስ እንትራኸባ፤ ምሸት ሰዓት 12፡00 ሸገር ከተማን ኢትዮጵያ ቡናን ክራኸባ ኢየን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!