ፓርቲ ብልፅግና ንመበል 20 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ንመበል 20 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ፓርቲ ኣብ መልእኽቱ፥ ናይ ሎሚ መበል 20 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ካብ 01 ሕዳር ጀሚሩ ንተኸታታሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ኩሎም ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ብድሙቕ ኩነታት ክኽበር ክኢሉ ኢዩ ኢሉ።
እዚ ሓቃዊ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ፌዴራላዊ ስርዓትን ንምህናፅ ዝተትሓዘ ቁርፀኝነት መርኣያ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ፓርቲ ብልፅግናን ናይ ምድማር መንግስቲን መበል 20 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ካብ ዕለታዊ ክብረ በዓል ሓሊፉ ናይቲ ኣጀንዳ ሓቅነት ኣድላይነት ብዕሊ ብምግንዛብ ኣብቲ በዓል ስያመ ዝተገለፁ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ናይ ፍትሒ፣ ማዕርነት፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን ሕቶታት ብተግባር ብምምላስ ክኸውን ይግባእ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊፁ።
ነዚ ድማ እቲ በዓል ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ምኽባር ሓደ ወርሒ ሙሉእ ብምውሳድ በቢክልሉን ምምሕዳር ከተማን ዘለዉ ባህሊታትን ነባራዊ ሓቂታትን ተሓሳቢ ብምግባር ብተኸታታሊ ንክኽበር ከምዝተገበረ ናይዚ እምነት ሓደ መርኣያ ኢዩ ኢሉ።
እቲ በዓል “ዴሞክራሲያዊ ምርድዳእ ንህብረብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንክኽበር ዝተመረፅሉ ምኽኒያት ሓቃዊ ህብረብሄራዊ ሓድነትን ፌዴራላዊ ስርዓትን ዝህነፅ ዴሞክራሲያዊ ምርድዳእ ብምፍጣር ከምዝኾነ ብግልፂ ከምዘርኣየ ኣብሪሁ ኣብ መግለፂኡ።
ዴሞክራሲያዊ ምርድዳእ ወይ ናይ ምርድዳእ ዴሞክራሲ ናይ ሃገራዊ ለውጢ ትሩፋት ካብ ዝኾኑ ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን ሓደ እንትኾን፥ ናይ ሃገርና ናይ ዘበናት ፀገምን ናይ ስርዓት ስብራትን ኮይኑ ናይ ዝፀንሐ ናይ ዴሞክራሲ ሕቲ ብኣግባቡ ንምምላስ እናተተግበረ ዘሎ ኣተሓሳስባ ኢዩ ኢሉ።
ቀንዲ ሕቶ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ናይ ዴሞክራሲ ሕቶ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ቅድሚ ለውጢ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት እዚ በዓል ናይ ኣተሓሳስባ ፅርየትን ናይ ተግባር ቁርፀኝነትን ዘይተፈጠረሉ ናይ ኣደባባይ ትርኢት ኮይኑ ክኽበር ከምዝፀንሐ ገሊፁ።
ሙሉእ መርኣይን መፍለይን ዝገበረ ብልፅግና ፓርቲ እዚ ናይ ኣረኣእያን ተግባርን ክፍተት ብምትዕራቕ ዝጎደሉ ሓቃዊ ህብረብሄራዊ ሓድነት፣ ፌዴራላዊ ስርዓትን ዴሞክራሲያዊ ምርድዳእን ብምፍታሕ ናብ ቅኑዕ ናይ ለውጢን ዝላን ምዕራፍ ንክኣቱ ከምዝገበረ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!