Fana: At a Speed of Life!

ሕቶ በሪ ባሕሪ ምላሽ ንኽረክብ ህዝቢ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ እጃሙ ንምውፃእ ድሉው ኢዩ – እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ህዝቢ ክልል ማእኻላዊ ኢትዮጵያ ሕቶ በሪ ባሕሪ ምላሽ ንኽረክብ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን እጃሙ ንምውፃእ ድሉው ኢዩ ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር)፡፡

መበል 20 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ”ዴሞክራሲያዊ ምርድዳእ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብቲ ክልል ከተማ ሆሳእና እናተኸበረ ይርከብ።

ኣብቲ በዓል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ከንቲባታት ምምሕዳር ከተማ፣ ተወከልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ እቲ በዓል ብሄራዊ ምርድዳእ ብምጥንኻር ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ መድረኽ ተራኺቦም ክዝትዩን ክደምቁን ዕድል ፈጢሩ ኢዩ።

ከምኡ እውን ዜጋታት ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዘቲዮም ኣካል መፍትሒ ንኽኾኑ ንምግባር፣ ሓበራዊ ያታ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ንምንባርን ተቐባልነት ሃገረ መንግስቲን ክብ ንምባል ንዝተጀመረ ሃገራዊ ከይዲ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ዘበርክት ኢዩ ኢሎም።

ናይዚ ዓመት በዓል ናይ ዘበናት ነስሓ መዛዘሚ፣ ምልክት መብሰሪ ሓዱሽ ወጋሕታን ዘበን ምብራኽን ኣሰር ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተመረቀሉን ካልኦት ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክታት ኣብ ዝተጀመሩሉ እዋን ዝኽበር ከምዝኾነ ዝተፈለየ ይገብሮ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ምግቢ ብሓበራዊ ፃዕሪ ጋህዲ ብምግባር ሉኣላዊነታን ብሄራዊ ክብራን ዝተማለአ ኮይኑ ጉዕዞ ምዕባለኣ ንኽዕወት እቲ ክልል ጀመሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።

ብሄራዊ ረብሓ ሃገርና ንምሕላውን እናዓበየ ዝኸይድ ረብሓ ህዝቢን ንምኽባር እናዓበየ ዝመፅአ ጠለብ ህዝቢን ንምምላእ መሰረታዊ ዝኾነ ሕቶ በሪ ባሕሪ ምላሽ ንኽረክብ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ብምባል እጃሙ ንምውፃእ ድሉው ኢዩ ኢሎም።

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.