Fana: At a Speed of Life!

ናብ ትካል ንግዲ ዓለም ንምፅምባር ኣብ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዝተወገኑ ድርድራት ታሪኽ ዝቐየሩ ኢዮም – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ናብ ትካል ንግዲ ዓለም ንምፅምባር ኣብ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዝተወገኑ ድርድራት ታሪኽ ዝቐየሩ ኢዮም ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡

“ንኢትዮጵያ ብንግዲ ብምትእስሳር ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምስግጋር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከይዲ ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ዝምልከት መድረኽ ተኻይዱ፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ናብ ትካል ንግዲ ዓለም ንምፅምባር ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዝወገነቶ ተግባር ኣብ 22 ዓመታት ዝተገበረ ፃዕሪ ናብ ፍሉይ ምዕራፍ ዘሰጋገረ ኢዩ፡፡

ኣብ 5ይን 6ይን ኣኼባ ጉጅለ ስራሕ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ናይ ምፍፃም ውሽጣዊ ዓቕምና ብዕዙዝ ዘርአዩ ኢዮም ኢሎም፡፡

ብፍላይ ኣብ 6ይ ኣኼባ ጉጅለ ስራሕ ክሳብ ሕዚ ኢትዮጵያ ዝኸደቶ ሪፖርት ኣኼባ ጉጅለ ስራሕ ሓደ ስጉምቲ ክብ ከምዝገበረ ብምግላፅ÷ በዚ ድማ ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን ምዕራፍ ድርድር ኣብ መዛዘሚ በፂሕና ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ሃገር በቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ውሽጣዊ ማሕለኻታት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ንምፍታሕ ዝተወሰዱ መመሓየሺታት ለውጢ ምምፃእ ከምዝተኽኣለ ብምሕባር÷ በዚ ድማ ኢትዮጵያ ዳግም ናብ ጄኔቫ መድረኽ ድርድር ምምላሳ ገሊፆም፡፡

እቲ ድርድር ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንኽዛዘም መንግስቲ ኣንፈት ከምዘቐመጠ ብምሕባር÷ ነቲ ድርድር ዘድልዩ ከይዲታትን ተግባራትን ከምዝተገበሩ ሓቢሮም።

ብለይኩን ኣለም

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.