ክታበት መከላኸሊ ፖሊዮ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ይወሃብ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ክታበት መከላኸሊ ፖሊዮ(ለውሲ ህፃናት) ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ይወሃብ ኣሎ።
ብወፍሪ ገዛ ንገዛ ዝወሃብ ዘሎ እቲ ክታበት ካብ 3 ክሳብ 6 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም ከምዝፀንሕ ተገሊፁ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ሃረሪን ቤኒሻንጉልጉምዝን ይወሃብ ኣሎ።
እቲ ክታበት፥ ኣብተን ዝተገለፃ ክልላት ኣብ ዘለዋ መዓስከራት፣ ትካላት ጥዕና፣ ኣብያተ ትምህርቲን ገዛ ንገዛን ከምዝወሃብ ተገሊፁ።
ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ፖሊዮ ዕዉት ንክኸውን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ርብርብ ንክገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ።
ብደሳለኝ ቢራራን ኡስማን መሃመድን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!