ራኢ ልምዓት ከተማታት ብተግባር ዘርኣየት ኣዲስ ኣበባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዲፕሎማሲ ኣፍሪካ ካብ ምዃና ብተወሳኺ ማእኸል ፈጠራ፣ ባህሊ፣ ንግዲን ዘበናዊ ናብራ ከተማን ንምዃን ዘለዋ ዓቕሚ እናዕበየት ትርከብ።
ነዚ ብዘላቕነት ንምዕዋት ድማ ስራሕቲ ልምዓታ ምስ ትልሚ ከተማ፣ ባህሊን ቱሪዝምን፣ ዕድላት ስራሕ መናእሰይ፣ ዲጂታል ኣገልግሎታትን ዘላቒ ልምዓትን ብምውህሃድ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ትሰርሕ ኣላ።
ኣዲስ ኣበባ ተወዳደርቲ መስሕባት ቱሪዝም ንኽህልዋ ፀጋታት ተፈጥሮኣ ብግቡእ ብምጥቃም ብልምዓት ኮሪደር፣ ፕሮጀክትታት ወሰን ሩባታትን ካልኦት ምንቅስቓሳት ዳግመ ህንፀት ከተማን ነዚ ዕላማ ኣጉሊሁ ተንፀባሪቑ ይርከብ።
ፀባቐ ተፈጥሮ ምስ ዘበናዊ ጥበብ ስነ-ህንፀት ብምውህሃድ ዝተሃነፁ ፓርክ ወዳጅነት፣ ፓርክ እንጦጦን ካልኦት ፕሮጀክትታት መኣዲ ንሸገር ካብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢ ሃገርን ዝመፅኡ በፃሕቲ እናሰሓቡ ይርከቡ።
ኣዲስ ኣበባ ንነበርታ ምቹውቲ፣ ንበፃሕታ ድማ ተመራፂት ንምግባር ኣብ ዝካየድ ፃዕሪ፤ ፕሮጀክትታት ልምዓት ወሰን ሩባታት ጎሊሁ ዝረአ ኣበርክቶ ምግባር ጀሚሮም ኣለዉ።
ብልምዓት ኮሪደር፣ ልምዓት ወሰን ሩባ፣ ፅባቐ ከተማን ሓምለዋይ ልምዓትን ዝካየዱ ፕሮጀክትታት፤ ምስኪ ከተማ ካብ ምቕያር ብተወሳኺ፣ ንነበርቲ ዝሓሸ ኣማራፂ ናብራን ኣገልግሎትን ንምፍጣር ይሕግዙ።
ብፍላይ ሩባታት ከተማ ካብ ብከላ ብምፅራይ፣ ተፈጥሮኣዊ ሚዛን ከባቢኦም ብምምላስን ወሰነር ሩባታት ንህዝቢ ምቹዋት ናብ ዝኾኑ ቦታታት ብምልዋጥ ሓለዋ ከባቢን ረብሓ ነበርቲን ምጥዕዓም እናተኸኣለ ይርከብ።
ኣዲስ ኣበባ ራኢ ከተማታት መንግስቲ መደመር ብተግባር ዝግለፀላ ከተማ ካብ ምዃና ንላዕሊ ንካልኦት ከተማታት ከካፍል ዝኽእል ተሞክሮ እናፍረየት ትርከብ።
ኣዲስ ኣበባ ናይ ሎሚ ልምዓት መሰረት ምዕባለ ፅባሕ ብምግባር ንነበርታ ዝሐሸ ናብራ ዝፈጥርን ንቐፃሊ ወለዶ ዝጠቅም ከተማ ብሓባር ናይ ምህናፅ ጉዕዞኣ ቀፂላ ኣላ።