ሸውዓተ ሓደሽቲ ኢንዱስትሪታት ኣብ ባህርዳር ስራሕ ጀሚሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ በጀት ዓመት 2018 ጥራሕ ሸውዓተ ሓደሽቲ ኢንዱስትሪታት ኣብ ባህርዳር ስራሕ ምጅማሮም ተሓቢሩ፡፡
ብሄራዊ ኣማኻሪ ኮሚቴ ኣፍራዩ ኢንዱስትሪ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ምንቅስቃሳት ስራሕ ዑደት ይገብር ኣሎ።
እቲ ዑደት ኣማኻሪ ኮሚቴ ኣምባሳደር ግርማ ብሩ ዝተመርሐ ኮይኑ ፤ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ ተረኺቦም።
ከምኡ እውን ሚኒስትር ኢንዳስትሪ መላኩ ኣለበል፣ ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋ፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩክ ደበሌ ቃበታ ሓዊሱ ምስ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌደራልን ክልልን ኣብቲ ዑደት ተሳቲፎም።
ኣብ እዋን ዑደት ከምዝተበሃለ፤ ከተማ ባህርዳር ልዕሊ 273 ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪታት ኣለዋ።
ኣብታ ከተማ ኣብ በጀት ዓመት ጥራሕ 7 ሓደሽቲ ኢንዱስትሪታት ስራሕቲ ዝጀመራ እንትኾና፤ ኢንዱስትሪታት ድማ ናብ ስራሕቲ ንምእታው ማሽን ኣብ ምትካል ከምዝርከቡ ኣብቲ እዋን ተገሊፁ፡፡
ብኣለምሰገድ ኣሳዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!