ኢትዮጵያን ዴንማርክን ኣብ ለውጢ ክሊማ ዘለወን ምሕዝነት ምጥንኻር ተሰማዕሚዐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ዴንማርክን ኣብ ለውጢ ክሊማ ዘለወን ምሕዝነት ብዝያዳ ዘጠናኽር ሓዱሽ ስምምዕ ተፈራሪመን።
እቲ ስምምዕነት ብሚኒስትር ፋይናንስ ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)ን ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ሱነ ክሮግስትሩፕን ኣቢሉ ተፈሪሙ።
ብመሰረት እቲ ዝተገበረ ስምምዕዕነት፤ ዴንማርክ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ለውጢ ክሊማ ዘለዋ ቀዳምነትን ኣንፈታት ትኹረትን ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ ንምፍላጥን ንምንፅብራቕን ዘኽእላ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከም እትህብ ተገሊፁ።
እዚ ሓዱሽ ስምምዕነት ዴንማርክ ቅድሚ ሕዚ ኢትዮጵያ ኣብ መድረኻት ለውጢ ክሊማ ክትገብሮ ዝፀንሐት ቅጡፍ ተሳትፎ መሰረት ዝገበረ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ክልቲአን ሃገራት ዘላቒ መፃኢ ምሕዝነትን ሽርክነትን ብዝያዳ ዘጠናኽር ስምምዕነት ከምዝኾነ ተገሊፁ።