ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 መካተቲ ዕቤትን ፈጠራን ቴክኖሎጂ ንምቅልጣፍ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 መካተቲ ዕቤትን ፈጠራን ቴክኖሎጂ ንምቅልጣፍ ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሙሉቀን ቀሬ፡፡
እቶም ሚኒስቴር ዴኤታ ኣብ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ኣብ ዝገበሩዎ ገለፃ፥ እቲ ትልሚ እነልምዓ ኢትዮጵያ ፈጠራታታ ኣብ ሃገራዊ መንነት ዝተመስረቱ ክኾኑ ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም፡፡
ካብ ዋና ዋና ዕላማታት ዲጂታል 2030፤ ኣብ ፈጠራ ስራሕ፣ ዝተሰጋገሩ ስታርትኣፓት፣ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኢንትርፕራይዛት ከምኡ እውን ዝዘመኑ ቁልፊ ሴክተራት መካተቲ ሰርዓት ዲጂታል ምቅልጣፍ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቴክኖሎጂ ንዝተመስረተ ናይ ወፃኢ ቀጥተኛ ኢንቨሰትመንት ዓውዲ ዲጂታል ዘንቀሳቕስ ሞተር ክኸውን ንምግባር ዝዓለመ ትልሚ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ንምርግጋፅ ዘኸእል ዲጂታል ክእለት ልምዓትን ስነ ምህዳር ቴክኖሎጂን ንምፍጣር ዲጂታል 2030 ዕዙዝ ግደ ኣለዎ ክብሉ ሓቢሮም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ዲጂታል ዘፈር ተወዳዳሪት ንኽትከውን 70 ሚኢታዊ ዝኸውን መንእሰይ ኣብ ዲጂታል ክእለት ዝሰልጠነ ክኸውን ምግባር ሓደ ኣካል እቲ ትልሚ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!