ፅባቐ ኣዲስ ኣበባ ዘማዕርጉ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ይዛዘሙ ኣለዉ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፅባቐ ኣዲስ ኣበባ ዘማዕርጉ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ይዛዘሙ ኣለዉ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።
እተን ከንቲባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዝህነፁ ዘለዉ ከዲታት ስራሕቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት ወሰን ወሓዚ ሩባ ቀበናን ጊንፍሌን ገምጊመን።
ነዚ መሰረት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ልምዓት ወሰን ወሓዚ ሩባ ንሃገርና ሓዱሽ ተመክሮ እንተኾነ እወን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ኣዝዩ ዝነኣድ ለውጢ ዘምፅእ ስራሕቲ ተኻይዱ ኢዩ ኢለን።
ብኽለት ተወጊዱ፣ ሓለዋ ስነ ምህዳር ሓመድ ተገይሩሎም፣ ተፈጥሮኣዊ ትሕዝቶኦም ስኢኖ ዝነበሩ ወሓዝቲ ሩባታት ተሓኪሞም ናብ ረብሓ እንትልወጡ ምርኣይ ልዑል ስምረት ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ብፍላይ 19 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍንን ካብ እንጦጦ ክሳብ ካራማራ ዝዘልቕ ፕሮጀክት ቀበና ኣብዚ ሐዚ እዋን ሀንፀቱ ናብ ምዝዛም ምቕራቡ ሓቢረን።
ዝደረቑ ዓይኒታት ማይ ምፍልፋል ምጅማሮም፣ ሕማቕ ጨና ጠፊኡ እቲ ከባቢ ብሃገር ቦቆል ኣግራባት ተኸቢቡ ንነበርቲ ምቹእ፣ ጥዕና ዘለዎን ንፁህ ኣየር ዝርከበሉን ምዃኑን ምዕሩግ ከባቢ ምልባሱን ገሊፀን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!