ኒውካስል ዩናይትድ ምስ ማንቼስተር ሲቲ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቀዳማይ ዙር ፍርቂ ፍፃመ ፅዋዕ ካራባኦ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ኒውካስል ዩናይትድ ምስ ማንቼስተር ሲቲ ክራኸባ ኢየን፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሻምፒዮን እቲ ውድድር ዝነበረት ኒውካስል ዩናይትድ ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ንፉልሃም ከምኡ እውን ማንቼስተር ሲቲ ንብሬንትፎርድ ብምስዓር ኢየን ናብ ፍርቂ ፍፃመ ተፀምቢረን፡፡
ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ኩሎም ውድድራት ካብ ዝገበረኦም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀወታታት፤ ማንቼስተር ሲቲ ሰለስተ ዝተዓወተት እንትትከውን፥ ኣብ ሓደ ፀወታ ማዕረ ተፈላሊየን ኣብ ሓደ ኒውካስል ተዓዊታ፡፡
ሲቲ ኣብ ፅዋዕ ካራባኦ ንኒውካስል ኣብ ዝገጠመትሉ ዝሓለፉ ክልተ ፀወታታት ስዕረት ኣተኣናጊዳ፡፡
ናይ ክልቲአን ጋንታታት ፀወታ ምሸት ሰዓት 5 ኣብ ሴንት ጀምስ ፓርክ ዝግበር እንትኸውን፥ ናይ መልሲ ፀወታድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ድማ ኣብ ኢትሃድ ይክካየድ ኢዩ፡፡