Fana: At a Speed of Life!

ሪዞርት ሸበሌ ሎሚ ብዕሊ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ገበታ ንወለዶ ቀንዲ ፕሮጀክት ዝኾነ ሸበሌ ሪዞርት ሎሚ ብዕሊ ተመሪቑ።

ኣብ 385 ሄክታር መሬት ዝተዘርግሐ ሪዞርት፣ ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ 400 ኣጋይሽ ምትእንጋድ ዝኽእል ሰለስተ ቤት ብልዒ፣  ፍሉይ ማእከል ባህሊ፣ ዘመናዊ ኣዳራሻት ክብረ በዓልን ድግስን፣ መፃወቲ ህፃናትን 15 ነጥቢ 4 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ እግሪ መገድታትን ከምዘለዎ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

ሸበሌ ሪዞርት ማሕበራዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር ዝዓለመ ተገይሩ ዝተሃነፀ ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም።

10 ሺሕ ኣግራብ ፍረታት ዘለዎ ፓርክ ፍረታት ጀሚሩ ክሳብ ቀንዲ ፓርክ ኣግማል ኩሉ መዳያት: እቲ መዘናግዒ ቦታ ምስሊ ኢትዮጵያን ተፈጥሮኣውን ባህላውን ቅርስታት ዘንፀባርቕ ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

51 ዝተዛዘሙ መደቀሲ ክፍልታትን ዓለምለኻዊ ደረጃ ዘለዎ ኣገልግሎት ቱሪዝምን ዘለዎ ሸበሌ ሪዞርት ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ መዕረፊት ቱሪዝም ንክትከውን ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ታሪኻዊ ምዕራፍ ምዃኑ እቲ ቤት ፅሕፈት መብርሂ ሂቡ።

 

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.