ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስሩዕ ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መበል 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ጉባኤ ዝቐረቡሉ ኣርባዕ ኣጀንዳታት ብምፅዳቕ ጉባኤኡ እናካየደ ይርከብ፡፡
ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ወይዘሮ ቡዜና ኣልከድር ኣጀንዳታት ነቲ ቤት ምኽሪ ዘቕረባ እንትኾና÷ እቲ ቤት ምኽሪ እውም ዝቐረቡሉ ኣጀንዳታት ኣፅዲቑ፡፡
ብመሰረት እዚ ቃለ ጉባኤ መበል 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ስሩዕ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ኣፅዲቑ፡፡
ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት እቲ ምምሕዳር እናቕረባ ይርከባ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!