Fana: At a Speed of Life!

ሓድነት፣ ተኣማንነት፣ ዋጋ ዋንነት ሃገር ዝኾነ ዓወት ዓድዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ዓወት ዓድዋ ዋጋ ሓድነት፣ ተኣማንነት፣ ሓላፍነት ዋጋ ሃገራዊ ዋንነትን እዩ ኢሎም ዋና ዳይሬክተር ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዮሴፍ ቤኮ (ዶ/ር) ።
ብምኽንያት 2ይ ዓመት ህንፀት ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣመልኪቶም “ሕድሪ ዓድዋ ንሎሚ ኢትዮጵያ ንናይ ፅባሕ ወለዶን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ህንፀት መንነት ወለዶ ዘተኮረ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሕዚ ዘሎ ወለዶ ካብ ዓወት ዓድዋ ክመሃር ይግባእ ዝብል መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ቅርሲ ኢትዮጵያ ኣበባው ኣያሌው፤ ዓወት ዓድዋ ዝግብኦ ኣቓልቦን ቦታን ይረክብ ከምዘይነበረ ኣዘኻኺሮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሓት ስራሕቲ ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣመልኪቶም፤ ከም ኣብነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃንፀ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ኣረዲኦም፡፡
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.