ስርዓተ ምሕደራ ሓደጋታት ሕብረተሰብ ጥዕና ዘዘምን ኣሰራርሓ ዲጂታል ስርዓት ዕላዊ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ጥዕና ኢትዮጵያ ስርዓተ ምሕደራ ሓደጋታት ሕብረተሰብ ጥዕና ዘዘምን ኣሰራርሓ ዲጂታል ስርዓት ዕላዊ ገይሩ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ዶ/ር መሳይ ሃይሉ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፥ እቲ ዲጂታላዊ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ሕድሕድ ወረዳታት እንታይ ዓይነት ፀገም ጥዕና ከምዘሎ ዝብል ንምፍላይ ዘኽእል እዩ፡፡
እቲ ስርዓት ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ዝተበታተነ ኣተሓሕዘ ዘትርፍ ክዝኾነ ብምግላፅ፤ እዙይ እውን በቢብርኩ ሓበሬታ ጥዕና ንምምችቻው ይሕግዝ ኢሎም።
ምክትል ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ዶ/ር መልካሙ ኣብጤ ብወገኖም፤ እቲ ዲጂታላዊ ስርዓት ዝተዋደደ ምሕደራ ሓደጋታት ጥዕና ሓጋዚ ከምዝኸውን ገሊፆም።
ብየሻምበል ምሕረት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!