Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓውዲ ጥዕና ፍትሓዊ ተጠቃምነት ዜጋታት ንምርግጋፅ ክስራሕ እዩ – ዶ/ር መቅደስ ዳባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣገልግሎት ጥዕና ተበፃሒ ንምግባር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብምጥንኻር ዜጋታት ብፍትሓዊነት ካብቲ ኣገልግሎት ተጠቀምቲ ንክኾኑ ብትኹረት ክስራሕ እዩ ኢለን ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ።

ሚኒስቴር ጥዕናን ሓለፍቲ ቢሮ ጥዕና ክልላትን ዝሳተፍዎ መድረኽ ሓባራዊ ገምጋም ዘፈር ጥዕና ኣብ ከተማ ሆሳዕና ይካየድ ኣሎ።

ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብዚ እዋን፣ ኣገልግሎት ጥዕና ብፍትሓዊነት ተበፃሒ ብምግባር ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ንምግባር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ከምዝጠናኸሩ ተዛሪበን።

በጀት ዓመት 2019 ካብ ህዝቢ ዓብዪ ሓደራ ዝተቐበልናሉን ህዝቢ ኣብ ኩሉ መዳይ ተጠቃሚ ንምግባር ብልዑል ትግሃትን ቁርፀኝነትን እንሰርሓሉ እዋን እዩ ክብላ እውን ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ዝሓሸ ንወለዶታት ዝሰጋገር ስርዓት ጥዕና ንምህናፅ ቅንጅታዊ ኣፈፃፅማ ኣመራርሓ ወሳኒ ምዃኑ ኣረዲኤን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.