ፍቼ ጫምባላላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መለወጢ ዘበን ብሄር ሲዳማ ፍቼ ጫምባላላ ኣብ ከተማ ኣሲስ ኣበባ ወዳጅነት ኣደባባይ ይኽበር ኣሎ፡፡
ኣብቲ በዓል ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ፣ ዓበይቲ ዓዲን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኣብዚ ዓመት ን7ይ ግዘ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኸበረ ዝርከብ እቲ በዓል፤ ክብሪታት ብዙሕነትን ሓድነትን እታ ከተማ ብዝበለፀ ኣጉሊሁ ዘርኢ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ባህሊን ስፖርትን ረዳት ፕሮፌሰር ነብዩ ባዬ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ ፍቼ ጫምባላላ መግለፂ ፍቕሪ፣ ሓዱሽ ተስፋን ምትሕስሳብን በዓል ኢዩ።
እቲ በዓል ካብ ኢትዮጵያ ሃፍቲነት ሓሊፉ ናይ መላእ ህዝቢ ዓለም ሓድጊ ኮይኑ ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ፥ መለወጢ ዘበን ካም ምዃኑ ሓሊፉ ዓሞቕቲ ነባር ፍልጠታትን ክብሪታትን ሲዳማ ዝሓቖፈ ኢዩ ኢሎም፡፡
ፍቼ ጫምባላላ ነባር ክብሪታቱ ተሓሊዩ ንትውልዲ ክመሓላለፍ እቲ ሚኒስቴር ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ብትኹረት ከምዝሰርሕ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!