42 ሚኢታዊ ዝኸውን ናውቲ ሕክምና ብውሽጣዊ ምህርቲ ምሽፋን ተኻኢሉ – ዶ/ር መቅደስ ዳባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብዝሒ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈርዩ ናውቲታት ሕክምና ካብ 8 ናብ 42 ሚኢታዊ ምዕባይ ተኻኢሉ ኢለን ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ።
እተን ሚኒስትር 2ይ ኤግዚቢሽን ምፍራይ ፍርያት ሕክምናን 10ይ ኢትዮ ኸልዝ ዓውደ ምርኢት ኣብ ዝኸፈቱሉ እዋን ካብ ወፃኢ ዝኣትው ናውቲታት ሕክምና ብውሽጢ ሃገር ንምትካእ ትኹረት ተዋሂብዎ ይስራሕ ኣሎ ኢለን።
ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 25 ኩባንያታት ኣብ ምፍራይ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ብንጥፈት ይሳተፋ ከምዘለዋ ገሊፀን።
ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ወፃኢ ጥዕና 127 ነጥቢ 47 ቢሊየን ብር ከምዝበፅሐን ዝሓበራ እተን ሚኒስትር፤ እዚ ድማ ካብ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት 6 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ከምዝሕዝ ኣረዲኤን።