ሰራዊት ምክልኻል ሉዓላዊነት ሃገር ካብ ምኽባር ብተወሳኺ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍኤምሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሉዓላዊነት ሃገር ካብ ምኽባር ብተወሳኺ ሉኣላዊነት ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ከይዲ ኣሰሩ እናዕረፈ ይርከብ ኢሉ ዘፈር ልምዓት ሕርሻ ምክልኻል፡፡
ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝወገኖም ተግባራት ልምዓት ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2018/19 ሃገር ለኸ ጎስጓስ ልምዓት ዝራእቲ ኣቕሪቡ፡፡
ኣብቲ ትካል ዳይሬክተር ዘፈር ልምዓት ሕርሻን ሜካናይዜሽን ቴክኖሎጂን ብርጋዴር ጀኔራል እሸቴ ኣራጌ ንፋና ዲጂታል ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ሰራዊት ሃገር ካብ ምሕላው ጎድና ጎድኒ ኣብ ዘፈር ሕርሻ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ፡፡
እቲ ሰራዊት ኣካል ህዝቢ ስለዝኾነ ንሓረስቶት ብዝተፈላለየ መገዲ ንነዊሕ እዋን እናተደገፈ ፀኒሑ ኢዩ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፥ መፍረያይነት ሕርሻ ንምድንፋዕ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ሰራዊት ምክልኻል ሉኣላዊነት ሃገር ምኽባር ጥራሕ ዘይኮነስ ሓረስታይ እውን ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ሉኣላዊነት ምግቢ ጋህዲ ንምግባር ዝተጀመረ ብሄራዊ ሸቶ ንምሕጋዝ ዝገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም፡፡
ብመሳፍንት ብርሌ