መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ካብ ንግዲ ወፃኢ ትረኽቦ ኣታዊ አዕቢዩ ኢዩ – ኣይተ ኣህመድ ሺዴ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ካብ ንግዲ ወፃኢ ትረኽቦ ኣታዊ አዕቢዩ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሺዴ፡፡
እቶም ሚኒስቴር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ኣብ ፀብፃብ ማክሮ ኢኮኖሚን ዝተዋደደ መመሓየሺን 18 ኣዋርሕ እናተዛተየ ይርከብ፡፡
ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ኣበቲ እዋን፤ እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዋና ዋና ዘፈራት ውፅኢት ምርኣይ ከምዝጀመረ ብምግላፅ÷ ዝቕባበ ዋጋ ንኽንሊ፣ ንግዲ ወፃኢ ንኸዓቢን ኢንቨስትመንት ክሰፍሕን ዕድል ከምዝፈጠረ ኣመልኪቶም፡፡
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካበ 2023 ክሳብ 2024 ኢትዮጵያ ካብ ንግዲ ወፃኢ 3 ነጥቢ 08 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝረኸበት ብምሕባር÷ ካብ 2024 ክሳብ 2025 ናብ 8 ነጥቢ 33 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ምርካባ ኣብሪሆም፡፡
ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ብግደአን÷ ኣብ ብዝሃ ዘፈር ዝተዘርገሐ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ኣብ ዘተኣማምን ሰለጤን ዕቤት ክርከብ ከምዘኽአለ ሓቢረን።
እዚ ድማ ውፅኢታዊ ኣተሓሕዛ ዲጂታል ሓበሬታን ምውዳድ ትካላትን ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።
ኢትዮጵያ ብቑዓት ሰብ ሞያ ኣብ ምፍራይ ዝረአን ዝድህሰስን ስርዓትን ውፅኢትን ምህናፃ እቲ ሪፖርት ምስክር ከምዝኸውን ዝገለፁ ድማ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኢዮም።
እዚ ኣብ ምጥንኻር ኢኮኖሚ ናይ ማሕበረሰቡ ተረባሕነት ዘረጋግፅን ዝተሓሰበሉ ሸቶ ንኽወቅዕ ክትትል እናተገበረሉ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።
ብክብረወሰን ኑሩ