ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ብሕልፈት ኣምባሳደር ቆንጂት ስነ ጊዮርጊስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብሕልፈት ኣምባሳደር ቆንጂት ስነ ጊዮርጊስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘበን ንኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዘገልገላ ኣምባሳደር ቆንጂት ስነ ጊዮርጊስ ብምሕላፈን ዝተሰመዐኒ ሓዘን ክገልፅ ይደሊ ኢሎም።
ኣምባሳደር ቆንጂት ካብ ቁልዕነት ክሳብ ፍልጠት ንኢትዮጵያን ብዲፕሎማትነት ብምግልጋል ካብ ኣምባሳደር ዮዲት እምሩ ቀፂለን ካልአይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ከምዝኾና ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንስድረአን፣ መሳርሕተንን መላእ ኢትዮጵያውያንን ፅንዓት ተመኒዮም።