Fana: At a Speed of Life!

ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምላሽ ምርካቡ ንዞባዊ ድሕንነትን ሓበራዊ ምዕባለን…

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሕቶ ምውናን በሪ ባሕሪ ምላሽ ክረክብ ምግባር ንዓለም ለኸ ድሕንነት መስመር ንግዲ፣ ዞባዊ ምትእስሳርን ሓበራዊ ምዕባለን ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ኢሎም ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሪር ኣድሚራል ክንዱ ገዙ።

ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ”ምሕደራ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ባሕሪ ኤደንን፤ ኣካታታይነትን ምትእስሳርን ንሓበራዊ ረብሓ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 4ይ ዓመታዊ መድረኽ ዘተ እናካየደ ይርከብ።

ሪር ኣድሚራል ክንዱ ገዙ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሉኣላዊ መብፅሒ ታሪኻዊ ሕቶ፣ ሕጋዊን ስትራቴጂክ መሰረትን ቅቡልነት ዘለዎ ኢዩ።

ኢትዮጵያ ካብ በሪ ባሕሪ ዝተገለለትሉ ኢፍትሕዊ በደል ኣብቲ ዞባ ትፅቢት ዝግበረላ ሃናፂ ግደ ከይትፃወት ከምዝገደበ ብምግላፅ÷ እታ ሃገር ስሉጥ ዕቤት ኢኮኖሚን ጠለብ ልምዓት ህዝቢን ንመቅልጣፍ ዘተኣማምን በሪ ባሕሪ ምርካብ ኣማራፂ ዘይብሉ ጉዳይ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ጥንኩር ሓይሊ ባሕሪ ብምህናፃ ኣብ ባሕሪ ዝህሉ ሽፍትነት፣ ዘይጋዊ ዝውውር ኣፅዋር፣ ግብረ ራዕዲን መሰል ስግኣታትን ንምውጋእ ልዑል ዓቕሚ ምትሕብባር ክኸውን ኢዩ እውን ኢሎም።

ሉኣላዊ መብፅሒ ሕቶን ድሌትን በሪ ባሕሪን ወሽመጥ ባሕረ ኤደንን ኢትዮጵያ ድሕንነት ዓለም ለኸ መስመር ንግዲ ብምርግጋፅ ንዞዊ ምትእስሳርን ሓበራዊ ምዕባለን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ጃፋር በድሩ ብግደኦም÷ ዘላቒ ሰላምን ዕቤት ኢኮኖሚን ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ባሕሪ ኤደንን ንምቅልጣፍ ኩለን ሃገራት ዘሳትፍ ምሕደራ ባሕሪ ክሃንፃ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ዘተኣማምን ሕቶ ምውናን በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ እውን ዞባዊ ምትእስሳር ብምጉልባት ኣብ መምርሒ ሓበራዊ ተረባሕነት ዝተመስረተ ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዲማ ኖጎ (ዶ/ር) ሓዊሱ ዕዱማት ተሳተፍቲ ከምዝተረኸቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.