ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ንዓቕመ ደካማታትን ጉዱኣት ኣካልን መኣዲ ኣካፊለን
ኣአዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ንዓቕመ ደካማታትን ጉዱኣት ኣካልን መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ኣካይደን።
ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ከም ሃገር ካብ ዝውግኖም ማሕበረሰብ ተኮር ስራሕቲ ጎድና ጎድኒ ኣብ እዋን በዓላት መኣዲ ናይ ምክፋል ተግባራት እናወገነ ምፅንሑ ይፍለጥ፡፡
ብመሰረት እዚ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ንመፅእ በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ንዝርከቡ 150 ክፋላት ማሕበረሰብ መኣዲ ኣካፊለን።
ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብቲ እዋን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐሉም ዘመሓላለፋ እንትኾና፥ ቤት ፅሕፈተን ማሕበረሰብ ተኮር ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪበን፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ሓገዝ ሕሩጭን ዘይቲን ዝተገበረ እንትኸውን፥ እቲ ፍርያት ሕሩጭ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ካብ ዘህነፆም ፋብሪካታት ባኒን ሕሩጭን ዝተረኸበ ኢዩ።